Explore the diverse world of faith and religion on our website. Discover different beliefs, traditions, and practices from around the globe. Whether you're looking to deepen your spiritual journey or simply learn more about the world's religions, Debre Medhanit Emmanuel Tigrean Orthodox Tewahedo Church is the perfect place to start. Join our community today and engage in meaningful discussions about faith and spirituality.
ቅዱስ አማኑኤል ቤተክርስትያን ካብቶም አብ ሲያትል ዋሽንግተን ካብ ዘለዋ አብያተክርስትያናት ብቀዳምነት እትፅዋዕን ማለት እውን ካብ ሚያዝያ 1989 ዓ.ም ጀሚሩ ንሕብረተሰብና ሙሉእ ኣገልግሎት እትህብን አብ ሰሜን አሜሪካ ብቀዳምነት እትስራዕን ቤተክርስትያን እያ::
ካብቶም አብዚ ቅዱስ ቤተክርስትያን ዝወሃቡ አገልግሎት ድማ ማህሌት፣ ሰኣታት ፣ ቅዳሴ: ፍትሓት: ቁርባን:ተክሊል:ወረብ:መዝሙር....ዝመሣሠሉ ግልጋሎታት ንወገናትና ብቛንቓና ብትግርኛን ግእዝን ሙሉእ ኣገልግሎት ናብ ቤተ እግዚኣብሄር መጺኦም ንእግዚኣብሄር ዘምልኹሉን ዝቅደስሉን ጥንታዊ ቤተክርስትያን እያ:: ክርስትና ብምልዓል፣ ኣብ ቤተክርስትያን ስነ ስርዓት መርዓኦም ክገብሩ ንዝደልዩ ተመራዓውቲ ኣገልግሎት ምሃብ፣ ብሞት ዝተፈለዩ ኣብ ቤተክርስትያን ናይ ፍትሓትን ሕዙናት ናይ ምፅንዕናዕን ኣገልግሎታት ንክረኽቡ ትገብር።
ብተወሳኪ ምስ ካልኦት አብያተ ቤተክርስትያናት መንፈሳውን ወድዓዊ ፀገማት ማለት እውን መከተ አብ ምፍታሕ ምስ ኮሚኒቲ ትግራይ ናይ ህዝቢ ፀገም አብ ብዝተወደበን ዝተዋደደን መፍትሒ አብ ምርካብን ገንዘብ ብምውፃእ ግቡእ ነቲ ዝተሸገሩ ወገናት ምሕጋዝን አገልግሎት አብ ምሃብን ብቀዳማይነት እትስራዕ ቤተክርስትያን እያ::መንበራ ሰላማ ናብ ቦታኡ ንክምለስ ምስ አሕዋት ቤተክርስትያናት ማለት እውን ምስ ማሕበረ ካህናት ሰሜን አሜሪካ ብምትሕብባር መምበሩ ተመሊሱ ሊቃነ ዻዻሳት አብ ምምራፅን ድጋፍ አብ ምግባርን ዓብዩ እጃም ገይራ እያ:: ከምኡ እውን ኣብዚ ዓዲ ተወሊዶም ንዝዓብዩ ደቅና ባህሎም፣ቋንቋኦምን እምነቶምን ብምምሃር ብመንነቶም ዝኾርዑ ዜጋታት አብ ምፍራይ ዓብዪ ስራሕቲ ትሰርሕ አላ::
ከም'ቲ ቅዱስ ዳዊት ዝበሎ፥- "ናብ ቤት እግዚኣብሄር ንኺድ ምስ በሉኒ ተሓጎስኩ" ኣስተውዕል ንጎልያድ ገንበሩ ሃሪመ ከውድቆ ከለኹ ደስ ኢሉኒ ኣይበለን። ንጉስ ኮይነ ዝተሾምኩሉ መዓልቲ ደስ ኢሉኒ ኣይበለን። ንሱ ደስ ዝበሎ ናብ ቤት እግዚኣሄር ንኺድ ዝበልዎ መዓልቲ እዩ። ኣነ እኮ ንጉስ እየ ስራሕ በዚሑኒ ኣሎ ንስኻትኩም፡ኪዱ፡ እንተ ዘይኮይኑ ገንዘብ ክሕግዘኩም ኣይበለን፥ መኽየዲ ዘይሰኣነ ብዓል ጸጋ ንጉስ፡ ናብ ዱንካን ናይ እግዚኣብሄር ቤት ንኺድ ምስ በልዎ ተሓጎሰ። ኣብኡ ኸይዱ ዝፋኑ ክብሩ መቀመጢኡ ዘርጊሑ መንግስቲ ብምውካል፡ "መንግስቲ ንናይ እምነት ትካላት ኣቃልቦ ይገብር" ዝብል ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ናይ ምምጽዳቅ ፍዕንን ዝበለ መደረ ከስምዕ ደልዩ ኣይነበረን። ንሱ ዝደለዮ ኣብ ትሕቲ እግዚኣብሄር ምውዳቅ እዩ ዝነበረ።"ካብ ሽሕ'ሲ ሓንቲ መዓልቲ ኣብ አጸድካ ትሐይሽ እያ እሞ፣ ኣብ ድንኳን ረሲአን ካብ ምንባርሲ ኣብ ቤት ኣምላኸይ ሓለው ደገ ምዃን ይሔሸኒ"።👉 (ዳዊ 84፥10) እሞ ቅ.አማኑኤል ቤተክርስትያን በራ ከፊታ በረከት እግዚአብሔር አምላክ ክትዕድለና ፃዊዕታ ተቅርብ::አሜን(3)🙏🙏🙏
Copyright © 2024 Debre Medhanit Emmanuel Tigrean Orthodox Tewahedo Church - All Rights Reserved.
We use cookies to analyze website traffic and optimize your website experience. By accepting our use of cookies, your data will be aggregated with all other user data.